¿QUIÉN ES PETER?
Más detalles
Editorial:
Año de edición:
2019
ISBN:
9789994820023
Páginas:
610
Idioma:
Tamaño:
25,4 x 17,8 cm
Categorías adicionales:

Warsay

ዋርሳይ

Solomon Berhe

Tapa blanda
Sinopsis

ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ጽንብል ምምስራት ናይታ “ትእምርቲ መኸተን ልምዓትን” ዝኾነት፡ ሃገራዊ ቅርዓት መንእሰያት ሳዋ፡ እዛ “ዋርሳይ” ዘርእስታ፡ 49 ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣሕቲሙ ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ።
ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ መደበር ታዕሊም፡ ውሑስ መዕቈቢ ተጋደልቲን ናይ ውግእ ቦታን ዝነበረ ሳዋን ከባቢኣን፡ ድሕሪ ናጽነት ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ጸምዩዎ እዩ ነይሩ። ሳዋ፡ ጥዑም ማያን ኣግራባን ሒዛ ጽምዋ ዓሲሉዋ ድሕሪ ምጽናሕ ግን፡ ቅድሚ 25 ዓመታት ኣብ ሚያዝያ 1994፡ እቶም እትፈልጦም ናይ ቀደም ተጋደልቲ ደቃ (ኣባላት ክፍሊ ታዕሊም ህዝባዊ ግንባር ነበር) ንሓደ ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ዳግም ተመሊሶማ። ናይ ድሕሪ ናጽነት መንእሰያት፡ ብኹሉ መዳይ ዝዂሰኰስሉ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣካዳምያዊን ሞያዊን ስልጠናታት ዝካየደሉ፡ ሃገራዊ መሰልጠኒ ማእከል ንምምስራት።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሪርን ነዊሕ ሓርነታዊ ኲናት ሓሊፉ፡ ብኣንጸባራቒ ዓወት ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጹ ዝጽበዮ ዝነበረ ዓቢ ዕማም፡ ነቲ ብረዚን መስዋእቲ ዝተረኽበ ናጽነትን ልኡላውነትን ምውሓስን ምድልዳልን፡ ብኲናት ዝዓነወት ሃገሩ ዳግም ብምህናጽን ብምምዕባልን ሃገራዊ ራእይ ክውን ምግባር እዩ ነይሩ። ተረካቢ ሕድሪ መንእሰይ፡ ነዚ ከቢድ ዕማም ዝበቅዕ ንቕሓት፡ ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ብቕዓት ከጥሪ ከኣ፡ ምዂስኳስ መንእሰያት ወሳኒ ነበረ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብምግንዛብን ኣርሒቑ ብምጥማትን፡ ኣብታ ፋልመይቲ ዓመት ናጽነት ማለት ብ20 ሕዳር 1991 እዩ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣዊጁ። እቲ ኣዋጅ ክልተ ግዜ ተመሓይሹ፡ ኣብ መጨረሽታ ኣዋጅ ቁጽሪ 82/1995 ተሰምዩ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብልዑል ኣተኩሮን ትግሃትን ተስሪሕሉ። ኣዋጅ ቁጽሪ 82/1995፡ ንዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጾ፦
 

Vendido por Podibooks
Puntuación del vendedor (0/5)
37,32 €
IVA incluido
FREE PENÍNSULA
AÑADIR AL CARRITO

LOS QUE LEYERON ESTE LIBRO TAMBIÉN COMPRARON:

keyboard_arrow_up